Zaeba lomi
ናዠሕቡራት መንáŒáˆµá‰³á‰µ ኣሜሪካ ቤት ጽሕáˆá‰µ ስተá‹á‰µ ዲá“áˆá‰µáˆ˜áŠ•á‰µá¡ áŠá‰² �...(ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቤት ጽሕፈት ስተይት ዲፓርትመንት፡ ነቲ ንዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ (ንዕለት 5 ጥቅምቲ ድማ ኣብ Atlantic Council) ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኺካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ክልተ ሰሚናራት ከምዝሰረዞ ይፍለጥ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣበየ ሃገራት ንዚርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣመልኪቱ መግለጺ ዚህበሉ ኣጋጣሚ እዩ። ናይ ሕጂ ሰሚናር ድማ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጋዊሑ ነይሩ። ኸይካየድ ምስራዙ ግን ንደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከቖጥዖም ከሎ ፡ ሓያሎ ተቓወምቲ እቲ መንግስትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ግን በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዕጉባት ምዃኖም ኺገልጹ ቀንዮም። እዚ ተርእዮ እዚ ንጎስጓሳት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት እንታይ ፋል (ፕረሰደንት) ኪኸውን ይኽእል? ብኻልእ ወገን ፡ እዚ ከም ዓወት ተቓወምትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ ኪቑጸር ይኽእልዶ?
)
Comments